ኒውፓይፕ ዝዀነ ናይ ጉግል ቤተ-ምስሊታት ወይ ናይ ዩቱብ ኤፒኢይ ኣይጥቀምን ኢዩ። ነቲ መርበብ- ስፍራ ዜድልዮ ሓበሬታ ንምርካብ ጥራይ እዩ ዚምርምሮ። ስለዚ እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ብዘይ ናይ ጉግል ኣገልግሎት ኣብ ኤለክትሮኒካዊ-መሳርሒታት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ኒውፓይፕ ንምጥቃም ናይ ዩቱብ ሕሳብ ኣየድልየካን ኢዩ፣ ኒውፓይፕ FLOSS ኢዩ።
